Welcome to ED (Tigrinya)

ናብ ED እንቋዕ ደሓን መጻእኩም

Wanju wanju, nidja

ንሕና ንህዝብታት ዋድጁክ ናይ ማሕበረሰብ ኑንጋር፡ ልምዳዊያን ሓለውቲ' ንሰርሓሉ መሬት ኣፍልጦ ንህብን ንሕሉፋትን ህሉዋትን ዓበይቲ ዓዲ ኣኽብሮትና ንገልጽን።

ናይ ፐርዝ ሆስፒታል ህጻናት (Perth Children’s Hospital) PCH ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ክፍሊ ህጹጽ ሓገዛት (Emergency Department) ከኣ ED ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ንሕና ንውላድኩም እቲ ዘድልዮም ሓገዝ ክረኽቡ ኢና ኣብ' ዘለና።

ንሕና ህጹጽ ሕክምናዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ጥዕና ዘለዎም 15 ወይ ትሕቲኡ ዝዕድሚኦም ህጻናት ንኣሊይ። ንኣውስትራልያውያን ዜጋታት ወይ ነበርቲ እቲ ኣገልግሎት ነጻ እዩ።

ኣብ PCH ክሳብ ሕጂ እናመጹ ዝሕከምሉ ቀዲሙ ዝጸንሖም ጸገም ጥዕና እንተለዎምን ንተመሳሳሊ ጸገም ኢሎም ናብ ED እንተመጺኦምን እዚ ኣገልግሎት ክሳብ 18 ዕድመ ክናዋሕ ይኽእል'ዩ።

Request an interpreter (Tigrinya)

እንተዘይተረዲእኩም ወይ ምሳና ክትዘራረቡክሕግዘኩም ኣስተርጓማይ ክዳለወልኩም ሕተቱ። እዚ ኣገልግሎት ብዘይኽፍሊት ብነጻ እዩ።

ትጽበይሉ ግዜ

ኣብ' ክፍሊ ህጹጽ ሓገዝ ምስ ብዙሓት ክረኣዩ ዝጽበዩ ሕሙማት ህጻናት ስራሕ ክበዝሕ ይኽእል'ዩ። እቶም ኣዝዮም ዝሓመሙ ህጻናት መጀመርያ ይረኣዩ። እቲ መስርዕ ወይ ተራ/ሪጋን ትጽበይሉ ግዜን ብኣምቡላንስ እንተመጻኹም'ውን ተመሳሳሊ'ዩ። እቲ ዘሎ ዝነውሐ ትጽበይሉ ግዜ ክንደይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብ’ቲ መጸበዪ ክፍሊታት ዘለዎ መሳኹቲ ቴሌቪዥን ክትምልከቱ ትኽእሉ።

ውላድኩም ከይሓከምናዮም ክትከዱ መደብ እንተሃልዪኩም ብኽብረትኩም ሓብሩና ኢኹም።

ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓገዝ እንታይ ይግበር

What happens in ED - Triage

መስርዕ ሓኪም ንክርእየኩም

መስርዕ፣ ንሰራሕተኛታት ውላድኩም ክሳብ ክንደይ ቀልጢፉ ሓኪም/ዶክተር ክረአ ከምዘድልዮ ኣብ ምውሳን ይሕግዞም። እቶም ሰራሕተኛታት ንውላድኩም ይርእይዎን ንዓኹም ከኣ ገለ ሕቶታት ይሓትኹም።

Entering the ED

ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሓገዝ ምእታው

ንስኹምን ውላድኩምን ናብ ውሽጢ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ሓደ መጸበዪ ሰደቓ ወይ መጸበዪ ክፍሊ ትኸዱ። ሓደ/ሓንቲ ጸሓፊ/ ገለ ሕቶታት ይሓትኹም። ቅድሚ ብዶክተር ምርኣይኩም ምጽባይ ክህሉ ይኽእል'ዩ። ውላድኩም ገዲድዎም ትሻቐሉ እንተሊኹም ብኽብረትኩም ሓብሩና ኢኹም።

እናተጸበኹም ‘ከለኹም፡ እንተኽኢልኩም፡ ነዚኦም ዝስዕቡ ሕቶታት ትህብዎ መልሲ ሕሰብሉ ኢኹም።

ውላድኩም ሎሚ ንምንታይ እዮም ናብ ኣስበዳለ/ሆስፒታል መጺኦም ዘለዉ፧

  • ክንደይ ግዜ ጌሩ እዚ ካብ ዝጅምሮም? እንታይ ጠንቁ/ኣበጊስዎ እዩ ኢልኩም ትሓስቡ? ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ኔርዎም ድዩ?
  • ቃንዛ ኣለዎም ድዩ?
  • ክበልዑ/ክሰትዩ/ሽቓቕ/ሽንቲ ቤት ክኸዱ ጸኒሖም ?
  • ነዚ ጸገም ኢልኩም ኣብ ካልእ ሓኪም ተራኢኹም ዲኹም?
  • ናብ ED ክትመጹ ዝነገርኹም ሰባት ኣለዉ ድዮም?
  • ናብ ED ቅድሚ ምምጻእኩም ዝኾነ መርመራ ወይ ራጂ ኤክስረያት ጌርኩም ዲኹም?

ሕሉፍ ታሪኽ ጥዕና ውላድኩም እንታይ እዩ?

  • ኣብ' እዋን ሓገዝ ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ ድዮም? (እዚ ንጥዕና ኣእምሮ'ውን ዘካትት')
  • ኣብ' እዋን ካልእ እንታይ ጸገም ጥዕና ወይ ሕማም ኣለዎም፧ (ንዕሸላት ቆልዑ ኣብ ዝምልከት እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ክውለዱ እንከለዉ ዝነበረ ኩነታት ክሓትኹም ይኽእሉ'ዮም)
  • ቅድሚ ሕጂ እንታይ ጸገማት ጥዕና፡ ሕማማት ኔርዎም ወይ መጥባሕቲታት ተኻይድሎም ኔሩ?
  • ኩሉ ክታበታቶም ወሲዶሞ/ኣማሊኦም ድዮም?
  • ዝኾነ ምሳና ክትካፈልዎ ትደልዩ ናይ ቤተሰብ ታሪኽ ጸገማት ጥዕና ወይ ሕማማት ኣሎ ድዩ?

ውላድኩም እንታይ መድሃኒታት ይወስዱ ኣለዉ፧

  • ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት እንታይ መድሃኒታት ወሲዶም ኔሮም (ንኣንቲባዮቲክስ ወሲኽካ ማለት')?
  • ስም ናይ' መድሃኒት እንታይ እዩ፣ ዓቐኑ’ኸ፣ ክንደይ ግዜ ይወስድዎ ኣለዉ?
  • ውላድኩም ሎሚ እንታይ መወሰኽታታት (ሳፕሊመንትስ) ቪታሚናት ወይ መድሃኒታዊ ኣትክልታት (ሀርብስ) ወሲዶም ወይ ብቐጻሊ ይወስዱ ድዮም?
  • ዝኾነ ኣብ' ቀረባ ግዜ ዘቋረጽዎም መድሃኒታት ኣለዉ ድዮም?

ውላድኩም እንታይ ኣለርጂታት ኣለዎም፧

  • እዚ መግቢ፡ መድሃኒት፡ መንከስቲታትን ከም በዓል ላተክስ/ካብ ቆጽሊ ዝወጽእ ጻዕዳ ፈሳሲ ወይ መቓምምቲ መግቢ ዝፈጠረሎም ጸገም ከካትት ይኽእል (እዚኦም ዘረጋገጽኩሞም ወይ ዝጠርጠርኩሞም ክኾኑ ይኽእሉ)

ካልእ ዝኾነ ክንፈልጦ ኣለና ኢልኩም ትሓስብዎ ኣሎ ድዩ፧

  • ውላድኩም ምስ ሕክምንኦም ወይ መድሃኒታቶም ዝተኣሳሰር ዝፈጠረሎም ስንባደ ኣሎ ድዩ?
  • ንስኹም ወይ ውላድኩም ዝኾነ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ንቋንቋ፡ ቤተሰብ ወይ ንባህሪ ዝምልከት ዘድልየኩም ነገር ኣሎ ድዩ?
  • ውላድኩም መወዳእታ ገለ ዝብላዕ ወይ ዝስተ ዝወስድ መዓስ ኔሩ?

 

What happens in ED - Seen by the nurse or doctor

ብነር ወይ ብዶክተር ትረኣዩ

እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ክርድኡ ንክሕግዞም ነር ወይ ዶክተር ሕቶታት ክሓትኹምን ንውላድኩም ክምርምርዎምን እዮም።

ንስኹም ካብ ውላድኩም ፍልይ ኢልኩም ምስ' ዶክተር ክትዘራረቡ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ጐተቲ ጎርዞ ኸኣ ካብ ወለዶም ተፈልዮም ምስ ዶክተር ወይ ነርስ ክዘራረቡ ክሓቱ ይኽእሉ'ዮም።

What happens in ED - Talk with your nurse or doctor

ምስ ናትኩም ነር ወይ ዶክተር ትዘራረቡ

እቶም ዶክተር ወይ ነር ጸገም ውላድኩም እንታይ ምዃኑን እንታይ የድልዮም ክገልጹልኩም እዮም።

ኣብ ዝኾነ እዋን ሕቶታት ሕተቱና ኢኹም።

What happens in ED - Tests and treatment

መርመራታትን ሕክምናን

እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ውላድኩም መርመራ ደም፡ ራጂ ኤክስ-ረይ ወይኻዓ ገለ ካልኦት መርመራታት ክገብሩ ከድልዮም ይኽእል። ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት (ED) እንከለዉ'ውን ሕክምና ክግበረሎም ወይ መድሃኒት ክወሃቡ ይኽእሉ። ንውጽኢት መርመራ ኢልኩም ወይ ውላድኩም ነቲ መድሃኒት ከመይ ከምተቐበሎ ንምርኣይ ምጽባይ ከድልየኩም ይኽእል ይኸውን።

What happens in ED - Wait to leave or stay for more treatment

ንገዛ ምኻድ ወይ ኣብ ሆስፒታል ምእታው

ከምቲ ኩነታት ውላድኩም ተራእዩ ንገዛ ክትከዱ ትኽእሉ ከምኡ’ውን ዶክተርኩም ምእንታን ንውላድኩም ክከታተሎ ክኽእል ንውሕ ዝበለ ግዜ ትጸንሑ ትኽእሉ፡ ወይ ከኣ ኣብ ሆስፒታል ክትኣትዉ ትኽእሉ።

ገዛ ምኻድ

ውላድኩም ገዛ ንምኻድ ድሉዋት ምስ ኮኑ እቶም ዶክተር ወይ ነር ውላድኩም ንምእላይ እንታይ የድልየኩም ንዝብል ሓደሓደ ሓበሬታ ይህብኹም፡ እዚ’ውን ንኩነታት ውላድኩም ዝገልጽ ሓበሬታ ዝሓዘ ወረቐት ወይ ናብ ናይ ከባቢኹም ዶክተር ዝወሃብ ደብዳበ ክኸውን ይኽእል። ንስኹም ወይ ውላድኩም ምስክር ወረቐት ሕክምና (Medical Certificate) ዘድልየኩም እንተኾይኑ ብኽብረትኩም ቅድሚ ምኻድኩም ንዶክተርኩም ወይ ነር ንገርዎም። ዝኾነ ዝህልወኩም ሕቶ ሕተቱና።

ኣብ ገዛ ምስ ኮንኩም፡ ብኽብረትኩም ብዶክተር ዝተዋህብኹም ኩሎም መምርሒታት ተኸተልዎም። ውላድኩም ኣይሕሾምን ኣሎ ኢልኩም እንተተሻቒልኩም ካብ’ዚኦም ዝስዕቡ ክትፍጽሙ ትኽእሉ፡

  • ኣብ ከባቢኹም ናብ ዘሎ ዶክተር ምኻድ
  • Health Direct ኢልኩም ብቁጽሪ1800 022 222 ምድዋል
  • ህጹጽ ክንክን ዝህቡ ክሊኒካት (GP Urgent Care Clinicምኻድ
  • ህጹጽ ኩነታት እንተኾይኑ ኣምቡላንስ ንክመጽእ ብቁጽሪ 000 ምድዋል ወይ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ተመሊስኩም ምምጻእ

ናብ ሆስፒታል ምእታዉ

ውላድኩም ንተወሰኽቲ መርመራታትን/ወይ ሕክምና ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ኣባላት ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ወይ ፍሉይ ክኢላ ሓኪም (ስፐሻሊስት) ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ ይኽእሉ። ዕላማና ናብ ገዛኹም ዝቐረበ ክንክን ሕክምና ክንገብረሎም'ዩ፡ ንሕክምና ኣብ ከባቢኹም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ንውላድኩም ናብ ክፍሊ ህጻናት መታን ከነመሐላልፎም ወይ ድማ እተን ሆስፒታል ኣብ ገዛ (Hospital in the Home (HiTH)) ዝተባህላ ነርሳት ክኣልያኹምን ኩነታት ውላድኩም ክከታተላን ከምዝበጽሓኹም ንምግባር'ዩ።

ኣብ ፐርዝ ሆስፒታል ህጻናት (Perth Children’s Hospital) ክትጸንሑ እንተድልይኩም ናብ ናትና ንህጹጽ ረዲኤት ንሓጺር ግዘ መጽንሒ ክፍሊ (Emergency Short Stay Unit (ESSU)) ወይ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሆስፒታል (መደቀሲ/ዋርድ) ንክትመሓላለፉ ክግበር ይኽእል'ዩ።

ውላድኩም ናብ ESSU መደቀሲ እንተኣትዮም፡ ኣብ ትሕቲ ክንክን ኣባላት ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ክጸንሑ'ዮም። ውላድኩም ተወሳኺ ሕክምና ወይ መጥባሕቲ እንተደሊዮም ናብ ሓደ ክፍሊ ሆስፒታል (መደቀሲ/ዋርድ) ክኣትዉ እዮም።

ንኣባላት ክንክን ጥዕናኹም ርኸብዎም

ንውላድኩም ኣብ ምክንኻን ዝሕግዙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ።

Meet your treating team (Tigrinya)

Aboriginal Flag

ኣብ ውሽጢ ED ክሕግዙ ኽእሉ ናይ ኣቦጂናል ሓለዋ ጥዕና ሰራተኛ መዳለውቲ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ብመብዛሕትኡ ግዘ ዝርኸቡ ከምዘለና እዩ። በጃኹም ክትርእዮም ትደልዩ እንተኾይንኩም ሕተቶም።

ውላድኩም ይቕንዞ ኣሎ/ቃንዛ ኣለዎም ኢልኩም እንተሓሲብኩም

ብኽብረትኩም ንሓንቲ/ሓደ ነርስ ኣዘራርብዎም፣ ንውላድኩም መርሚሮም ኣድላዪ ዘበለ ፈውሲ ቃንዛ ክህብዎም’ዮም።

ውላድኩም ይገዶም ኣሎ ኢልኩም ተጨኒቕኩም ዲኹም? ክንፈልጦ ንደሊ ኢና።

ውላድኩም እንዳጋና ዝገደዶም/ዝሓመሙ እንተመሲሎም ወይ ዘይተለምደ ባህሪ የርእዩ እንተሃልዮም ቀልጢፍኹም ንገሩና።ንስኹም ንውላድኩም ብዝበለጸ ትፈልጥዎም ኢኹም። ንሕና ንዓኹም ክንሰምዓኩም ኢና።

Aishwarya's CARE Call logo

Aishwarya's CARE Call (Tigrinya)

ዘለኹም ክእለት ቋንቋ እንግሊዝ ውሱን እንተኾይኑ ‘Emergency Waiting Room’ ጥራይ በሉ ወይ ቁጽሪ መደቀሲ ክፍልኹም ሓብሩ።

እዚኦም ኣበይ ከምዝርከቡ...

ሽቓቓት/ዓይኒ ምድሪ

  • ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ED እትው ምስበልኩም ብሸነኽ ጸጋም ናይ’ቲ መእተዊ ሓደ ንኹሉ ዝኸውን ሽቓቕ ኣሎ
  • ናብ ድሕሪት ሸነኽ ናይ ED፣ ድሕሪ መጸበዪ ክፍሊ Pod C ድሕሪ’ቲ ልስሉስ መስተ ዝሽየጠሉ Beverage bar ኣለኩም

ርግጸኛታት እንተዘይኮንኩም ነቶም ምልክታት ተኸተልዎም ወይ ንሓደ ኣባል ሰራሕተኛ ሕተትዎም።

ክፍሊ መቀያየሪ ህጻን

  • እቲ መቀያየሪ ጠረጴዛ ኣብ ውሽጢ ED ይርከብ፣ ድሕሪ’ቲ ንኹሉ ዝኸውን ሽቓቕ፣ ድሕሪ’ቲ ሰማያዊ መጋረጃ ኣለኩም
  • ካልኣይ መቀያየሪ ጠረጴዛ ከኣ ጥቓ Pod C ኣብ ዘለዉ ሓደ ካብ’ቶም ክፍሊ መሕጸቢ ሰብነታት ኣለኩም

ዝስተ ነገር ዝርከበሉ ቦታ

ማይ ኣብ ጥቓ መጸበዪ ከባቢ Pod C ኣብ’ቲ Beverage bar ኣለኩም።

መግብን ማይን

  • ብዘይኽፍሊት ብነጻ መሳለጥያታት ሻሂን ቡንን ኣብ’ቲ Beverage bar ኣብ ውሽጢ ED ጥቓ መጸበዪ ከባቢ Pod C ኣለኩም
  • ጠዓሞት መግብን መስተን ዝሸጡ ገንዘብ የእቲኻ ዝሰርሑ ማሺናት ካብ ED ወጺኻ ጥቓ’ቶም ቀጠልያ ሊፍትታት ይርከቡ
  • ቤት ሻሂ ሊትል ላዮን ካፈ (Little Lion Cafe) ጥቓ’ቲ ቀንዲ መእተዊ ኣብ ባይታ ዘሎ ደርቢ (Ground Level) ይርከብ
  • ኣዳራሽ መግቢ The Food Hall ኣብ 1ይ ደርቢ ይርከብ፣ በቶምዝሕብሮም ሊፍትታት ወይ ብደገ ወገን ሊትል ላዮን ካፈ ኣብ ባይታ ዘሎ ደርቢ ዝርከቡ ደረጃታት ክትኣትዉ ትኽእሉ።
  • ሓንቲ ንእሽቶ መሸጣ ዱኳን Xpress Zoneኣብ ምድሪ ዝርከብ ደርቢ ናይ’ቲ QEII multideck ዝተባህለ መጸግዒ መኪና ይርከብ፣ ካብ ሶኑይ ክሳብ ቀዳም፣ ካብ ንጕሆ 7am ክሳዕ ምሸት 8pm ክፍቲ እዩ።

ዝኽፈለሉ ህዝባዊ ቴሌፎናት

ብሸነኽ ደገ ED ኣብ’ቲ ንED ናብ’ቲ ሆስፒታል ዘራኽብ መመሓላለፊ ኮሪደር ይርከቡ።

ኤቲኤም (ATM)

ካብ ED ወጺኻ ኣብ’ቲ ንED ናብ’ቲ ሆስፒታል ዘራኽብ መመሓላለፊ ኮሪደር ይርከቡ።

ድሕነትን ጸጥታን

ናትኩም ድሕነትን ጸጥታን ንዓና ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ። ዘሻቕለኩም ባህሪይ እንተርኢኹም፣ ወይ ኣብ ድሕነትኩም ወይ ድሕነት ውላድኩም ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ኮይኑ እንተተሰሚዕኩም፣ ብኽብረትኩም ንዝኾነ ኣባል ሰራሕተኛ ሓብርዎም ወይ ክፍሊ ጸጥታ PCH Security ኢልኩም ብቁጽሪ 6456 3003 ብቕልጡፍ ደውሉ።

ዜሮ ተጻዋርነት ንዓመጽ

ድሕነት ኩሉ ሰብ ንምርግጋጽ፣ ንሕና ዜሮ ተጻዋርነት ወይ ትዕግስቲ ኣብ ዓመጽን ምፍርራሕን ዝብል ፖሊሲ’ዩ ዘለና።

ዝኾነ ኣካላዊ ወይ ብዘረባ ዝዕምጹ ወይ ዘፈራርሑ ሰባት ብቕጽበት ክወጹ ክሕተቱ’ዮም፣ ኣድላዪ እንተኾይኑ ሓለውቲ ጸጥታ ክጽውዑ እዮም።

ፎቶ ምልዓል/ምስኣል ወይ ፊልም ምቕራጽ

ንብሕታውነትን ስቱርነትን ሕሙማትና፣ ስድራቤትና፣ ኣለይትናን ሰራሕተኛታት፣ ኣብ PCH እንከለኹም ብኽብረትኩም ስእሊ ፎቶ ዘይምልኣል ወይ ፊልም ኣይትቕድሑ።

ኣድናቖትን ጥርዓናትን

ናትኩም ርእይቶ፣ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ፣ ንዓኹምን ንውላድኩምን ዝኸውን ዝሓሸ ኣገልግሎት ከነቕርበልኩም ይሕግዙና እዩ

ናብ ED ድሕሪ ምብጻሕኩም፣ ርእይቶኹም ክትህቡና ክንሓተኩም ብመንገዲ መለክዒ ርእይቶ MyVisit survey ናይ ቴሌፎን መልእኽቲ ክለኣኸልኩም እዩ። ብኽብረትኩም ነዚ ሓጺር
ዳህሳስ መለክዒ ርእይቶ፣ ብዛዕባ ተሞክሮኹም ክንፈልጥ ስለዝሕግዘና ምላሽ ሃብሉ ኢኹም። ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታና’ውን መተባብዒ ርእይቶ ወይ ጥርዓን ክትገድፉልና ትኽእሉ ኢኹም።